መምርሒ ናይ ሰነድ

ናብዚ ብኢንተርነት ዝወሃቡ ናይ እንግሊዘኛ ኮርሳት British Council ባህ ዘብል ጉዕዞ ምምሃር እንግሊዘኛ ብምስታፍኩም ኣዚና ሕጉሳት ኢና ኩሎም ተመሃሮ ኣውንታዊ ዝኹሉ ዘጠቃልልን ጥጡሕ ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ባይታ ንኽህልው ኩሎም ተመሃሮ ነቶም ዘለዉ ደንብታት ናይ Student Code of Conduct (ናይ ተመሃሮ ስርዓት ኣካይዳ) ጽሟቅ ትሕዝቶ ናይዚ Student Code of Conduct (ናይ ተመሃሮ ስርዓት ኣካይዳ) ኣብዚ ታሕቲ ክትረኽብዎም ትኽሉ 

 

  1. ኩሉ ጊዜ ከተተኩርን ክትሳተፍን ይግባእበቲ ሙሉእ ሽምኩም ተጠቂምኩም አብ ጊዜኹም ነቲ ትምህርቲ ተሳተፉ ኣብ ጊዜኹም ክትርከቡ ኣዝዩ አገዳሲ ኮይኑን ብዝተኻእለኩም መጠን ንትምህርትኹም አብ ጸጥ ዝበለን ምቹእ ዝኾነን ቦታ ኮይንኩም ተሳተፉ
     
  2. ሓደ መሳርሒ ሓደ መራኸቢ ትምህርትኹም ብዘይምቁራጽ ክትመሃሩ ጽኑዕ ዝኾነ ፍላጎት ከምዘለኩም ከተረጋግጹን ብሓደ መሳርሒ ጥራሕ ተጠቂምኩም ነቲ ትምህትኹም ክትሳተፉ ይግባእ መዘኻኸሪ እቲ ሕሳብኩም ብፍሉይ ንዓኹም ብፍላይ ተባሂሉ ዝተዳለወን ትምህርቲ ክትመሃሩ ተባሂሉ ዝተዋህበኩም እዩ
     
  3. ፕሮፌሽናል ዝኾነ ምስትኽኻላት ፍጠሩ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ቦታ ክትረክቡ ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ይርደኣና እዩ ስለዝኾነ ትምህርትኹም ንምክትታል ኣዝዩ ጸጥ ዝበለን ስሩዕን ዝኾነ ቦታ ከተናዱ ይግባእ ኣድላዩ እንተኾንኑ ንብሕታውነትኩም ክትሕልዉ ነቲ ድሕሬኹም ዝረአ ነገር ደብዝዝ ከምዝብል ክትገብርዎ ትኸእሉ ኢኹም ብደንቢ ክትክደኑን ትምህርቲ አብ ዝወሃበሉ እዋን ድማ ቆልዑ ደሕነቶም ንምክልኻል ካብቲ ናይ ኮምፕዩተር ስክሪን ክእለዩ ይግባእ
     
  4. ክትሳተፉ ይግባእ ተሳታፊነትኩም ከተረጋግጹን አብቲ ዝካየድ ንጥፈታት ብደንቢ ክትሳተፉን እቲ ትምህርቲ አብ ዝካየደሉ እዋን ነቲ ካሜራኹን ማይክሮፎንኩን ኩሉ ጊዜ ወሊዕኩም ክትገድፉዎ ኣለኩም ቴክኒካዊ ጸገም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ነቲ መምህር ቀልጢፍኩም ክትሕብሩ ይግባእ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ገለ ሰባት ካሜራ ክጥቀሙ ከምዘይደልዩ ዘለዎም መሰል ነኽብሮ ኢና
     
  5. ክብረት ከተርኢዩ ይግባእ እቲ ኣተኩሮና ኣብቲ ትምህርቲ ጥራይ ከምዝልከት ክኸውን ኣለዎ ትምህርቲ አብ ዝወሃበሉ እዋን ካብ ሽጋራ ምትካኽ መስተ ምስታይ ወይ ድማ ምብላዕ ከተወግድዎ ይግባእ ምስቶም መምሃራንን ተመሃሮን ትገብርዎ ርክባት ኩሉ ክብረቱ ዝሓለወ ክኸውን ይግባእ አብቲ ቻት ኣብ ትሳተፉሉ እዋን እቲ ትሕዝቶ ናይ ርክባት ነቲ ትምህርቲ ዝምልከትን ተራኹም ሓሊኹም ክትምልሱ ድማ ይግባእ
     
  6. ነቲ ዘሎ ፍልልይ ከተኽብሩዎ ይግባእ እዚ ማሕበረሰብና ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ ናይ ነንሕድና ባህልታት ርእይቶታት ከምእውን ድሕረ ባይታት ከነኽበሮ ይግባእ ዝኾነ ናይ ምድንዳን ወይ ምውጥዋጥ ጠባያት አይፍቀድን እዩ 
     
  7. ኣቀዲምኩም ደሕንነት ደሕንነቱን ክብረቱን ዝተሓለወ ናይ ትምህርቲ ባይታ ክንፈጥር ኣዚና ጻዕሪ ነካይድ ኢና ዝኾነ ዓይነት ሕማቅ ጠባይ ውጉድ እዩ ኩሉ ጊዜ ነቶም ንገብሮም ርክባት ክብረቶም ዝሓለዉን ስሩዓትን ክኾኑ ይግባእ 
     
  8. ግላውነት ምሕላው ኣብዚ ማሕበረሰብና ነቲ ናትኩምን ናይ ካልኦትን ግላውነት ምሕላው ኣዚና ዓቢ ጥንቃቀ ንገብር ኢና በጃኹም ዝኾነ ናይ ግሊ ሓበሬታ ከተካፍሉ ስእሊ ክትወስዱ ስክሪንሾት ክትወስዱ ወይ ቪድዮ ክትቀድሑ ወይ ነቶም ትምህርትታትና ክትቀድሕዎ አይፍቀድን እዩ 

መዘኻኸሪ ነዞም ዝተጠቅሱ ስርዓታት እንተዘይ ኣኽቢርኩም ነቲ ትምህርቲ ክትሳተፉ ዝተዋህበኩም ፍቃድ ክትሕደጉ ኢኹም  

ስሩዕ ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ባይታ ክንፈጥር ብምትሕብባርኩም ከነመስግነኩም ንደሊ 

 

ዘጋጥሙ ነገራት ብኸመይ ነምልክት 

ዝኾነ ዘሸግሩ ጠባያት እንተተዓዚብኩም ናብቲ ክፍሊ ጉጅለ ድጋፍ ዓማዊል ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም እቶም ትህቡዎም ርእይቶታት ድሕነቱ ዝተሓለወን ዓዳሚ ዝኾነ ማሕበረሰብኩም ከነቅርብ ክሕጉዙና እዮም  

እቲ ሙሉእ ትሕዝቶ Student Code of Conduct (ናይ ተመሃሮ ስርዓት ኣካይዳ) ኣብቲ ክፋል 1 ንኡስ ክፋል 3 ናይ ኦንላይን ኮርሳት እንግሊዘኛ Terms and Conditions ደንብታትን ሕግታትን ይርከብ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ቅድሚ ምቅጻሉ ነዚ ኣንቢቡ ክሰማማዓሉ ይግባእ